Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ተፈሪ መለሰ መንግስቲ ሰላምን ልምዓትን ንምዕሳል ዘተግበሮም ስራሕቲ ንኣባላት ፓርላማ ብሪታኒያ ኣረዲኦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ተፈሪ መለሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዘተግበሮም ስራሕቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ንዝተጣየሸ ኣባላት ፓርላማ ብሪታኒያ ኣረዲኦም።

ኣምባሳደር ተፈሪ መለስ፥ ህወሓት ንሳልሳይ ዙር ወታደራዊ መጥቃዕቲ እናተዳለወ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ህወሓት መጥቃዕቲ ንምፍፃም እናተሰናደአ ዝርከብ ሰገናት ብምምልማል ምዃኑ ድማ ነቲ ጉዳይ ብዝበለፀ ኣተሓሳሳቢ ከምዝገብሮ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ኣብ መብርሂኦም፥ ዋላ እኳ ኣብ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ሕርሻ ብምድንፋዕ ባዕልኻ ንምኽኣል ፃዕሪ እናተገበረ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ድርቂ ብምግጣሙ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድለየ ኣገንዚቦም።

እቶም ኣባላት ፓርላማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተርኣየ ዝርከብ ምምሕያሽን እታ ሃገር ዝሓዘቶ ብምግቢ ባዕላ ናይ ምኅል ሽቶ ከምዝንእዱ ተገሊፁ፡፡

ንኢትዮጵያ ሓገዝ ምግባሮም ከምዝቕፅሉን ሰብ ሃፍቲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ሓበሬታ ከምዝህቡን ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.