Fana: At a Speed of Life!

ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር ካብ ወርሒ ታሕሳስን ጥሪን ጀሚረን ናብ ፍርያት ተመሊሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር ካብ ወርሒ ታሕሳስን ጥሪን ጀሚሩ ናብ ፍርያት ምምላሰን ግሩፕ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ፋሪካታት ሽኮር ፊንጫ፣ ወንጂ ሸዋ፣ ኦሞ ኩራዝ 2ን ኦሞ ኩራዝ 3ን ምዝዛም እዋን ክርምቲ ስዒቡ ናብ ፍርያት ምእታወን ኣብ ኢትዮጵያ ግሩፕ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ዋና ክፋሊ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ተሳትፎን ረታ ደመቀ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ከምኡ እውን ፋብሪካታት ሽኮር ጣና በለስ፣ ከሰም፣ ኣርጆ ዴዴሳን መተሃራን ካብ መወዳእታ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ናብ ፍርያት ከምዝኣትዋ ኣማላኺቶም፡፡

ብመሰረት ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ሽኮር ንዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ንሸመቲ ብኮታኦም 25 ሚኢታዊት ጥራሕ ይወሃቦም ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግና ናይ ኮታኦም 50 ሚኢታዊት ክረኽቡ እዮም ኢሎም፡፡

ኩለን ፋብሪካታት ናብ ፍርያት እንትኣትዋን ካብ ደገ ዝኣቱ ፍርያት ሽኮር ሓዊሱን ሚኢቲ ብምኢቲ ኮታኦም ከምዝረኽቡ ሓቢሮም፡፡

ቀረብ ፍርያት ሽኮር ንምዕባይ ካብ ደገ ብዕድጊት ካብ ዝኣትው ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከባ ኣፍረይቲ ሽኮር ፋብሪካታት ናብ ፍርያት ንምእታው ትኹረት ዝተውሃቦ ተግባር ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.