Fana: At a Speed of Life!

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ን23 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ውበቱ ኣባተ ምስ ጊኒ ንዝገብሩዎ ፀወታ መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ን23 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እዚ ሓለውቲ ልዳት፥ ፋሲል ገብረ ሚካኤል ካብ ጋንታ ባህርዳር ከነማ፣ ሰዒድ ሃብታሙ ካብ ጋንታ ኣዳማ ከነማን ኣቡበከር ኑራ ካብ ጋንታ ኢትዮጵያ መድን፡፡

ኣብ ክፍሊ ምክልኻል፥ ረመዳን የሱፍ፣ ሱሌማን ሃሚድ፣ ብርሃኑ በቀለ፣ ሚሊዮን ሰለሞን፣ ምኞት ደበበ፣ ኪት ጋት ኩት፣ ኣስቻለው ታመነን ያሬድ ባየን ተፀዊዖም፡፡

ካብ ተፃወትቲ ክፍሊ ምክፍፋል፥ ይሁን እንዳሻው፣ ኣማኑኤል ዮሃንስ፣ ጋቶች ፓኖም፣ ሽመልስ በቀለ፣ ከንኣን ማርክነህ፣ ታፈሰ ሰሎሞንን ቢኒያም በላይን ተመሪፆም፡፡

ኣብ ክፍሊ ምጥቃዕ ዮሴፍ ታረቀኝ፣ ኣቤል ያለው፣ ኦሞድ ኡኩሪ፣ ይገዙ ቦጋለን ኣቦበከር ናስርን ከምዝተሓረዩ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስ ኢትዮጵያ ትገጥም ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ብተመሳሳሊ ተፃዋታይ ጋንታ ሊቨርፑል ናቪ ኬታ ሓዊሱ 23 ተፃወትቲ ዕላዊ ገይራ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.