Fana: At a Speed of Life!

ኣሲዳማ ሓመድ ብኖራ ብምሕካም መፍረያይነት ምዕባይ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሕርሻ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሲዳማ ሓመድ ብኖራን ካልኦት ዝተዋደዱ ስራሕቲ ብምሕካም መፍረያይነት ምዕባይ ከምዝግባእ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፁ፡፡

ኣሲዳማ ሓመድ ብኖራ ብምሕካም መፍረያይነት ንምዕባይ ተሓሳቢ ዝገበረ ስነ-ስርዓት መጀመሪ መርሃ ግብሪ “ጥዕና ሓመድ ንህልውና ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እይካየድ ኣሎ።

ኣብ መጀመሪ መድረኽ እቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ሚኒስትር መዓድን ኢ/ር ሃብታሙ ተገኝን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብዚ ዓመት 100 ሺሕ ሄክታር ኣሲዳማ ሓመድ ንምሕካም ከምዝስራሕ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ እዚ ንምፍፃም ድማ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ፡፡

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.