Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተፈላለዩ እዋናዊን ሃገራዊን ሕቶታት የቕርቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፈላለዩ እዋናዊን ሃገራዊን ሕቶታት የቕርቡ ኣለዉ።

እቶም ኣባላት ዘቕረብዎም ሕቶታት፥ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ሃገርና ይኹን ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ዘጋጠሙ ጎንፂታት ብዙሓት ፀገማት ኣጋጢሞም ኢዮም። ብመሰረት እዚ ኣብ ሰሜን ንዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ስምምዕነት ሰላም ተገይሩ ኢዩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝንቀሳቐስ ሸኔ ዝቐረበ ፃውዒት ሰላም ግን ጭቡጥ ምንቅስቓስ እንትግበር ኣይተርኣየን፤ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝበፅሐ ኩለ መዳይ ዕንወት መሊስካ ንምዕራይ/እግሪ ንምትካል እንታይ ተሓሲቡ ኣሎ።

ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ዕግርግር ንምፍጣር ንዝንቀሳቐሱ ኣካላት ንምክልኻል እንታይ ይስራሕ ኣሎ?

ኣብ ክልልት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብልፅግና ሓደ ኮይኑ ኩለ መዳይ ምዕባለ ኣብ ክንዲ ምርግጋፅ ብመግለፂታት ኣፈላላያት እንተቕርብ ንዕዘብ፤ እቲ ፀገም እንታይ አዩ?

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘሎ ምምምዝባል ዜጋታት ንምቕራፍ እንታይ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣሎ?

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት መበገሲኦም ሕገ መንግስቲ ዘይምኽባሩ ኢዩ፤ ብፍላይ እዚ ፀገም ኣብ ታሕተዋይ እርከን መሓውር መንግስቲ ኢዩ ዝረአ። እዚ ፀገም ንምስትኽካል እንታይይስራሕ ኣሎ? ዝብሉን ካልኦት ኣብ ዓውዲታት ኢኮሚ፣ ፀፅታ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዛዕባታት ዝጠመቱ ሕቶታት ቀሪቦም።

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ነተም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተልዓሉ እዋናዊን ሃገራዊን ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.