Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ግብረ ራዕዲ ይኹን ዝዘረፉዎ ንብረት ካብ ክልል ኣምሓራ ከይወፅኡ ህዝቢ ስጉምቲ ንኽስድ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ፀዊዖም

ኣዲስ፣ ኣበባ 22 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተደምሰሰ ዝርከብ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ይኹን ዝዘረፉዎ ንብረት ካብ ክልል ኣምሓራ ከይወፅኡ ህዝቢ ስጉምቲ ንኽስድ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ፀዊዖም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ መንግስቲ ንዘቕረቦ ፃዒት ክተት ካብ ህዝቢ ዝተውሃበ ምላሽ ቅልጡፍን ዝበረታታዕን ስለዝኾነ ምስጋና ብምቕራብ፤ ወፍሪ ህልውና ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ “ወፍሪ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት” እናተመዝገበ ዝርከብ ዓወት ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾ እውን እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

መንግስቲ እናወሰዶ ኣብ ዝርከብ ስጉምቲ ምጥቃዕ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኩሎም ግምባራት እናተደምሰሰ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ይልቃል፥ ህዝቢ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምውዳድ ነቲ ዘራፊ ጉጅለ ንኽቐብሮ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሓደ ኣባል ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዝወረሮም ከባቢታት ኣምሊጡ ከይወፅእ ህዝቢ መገዲታት ብምዕፃው ንኽድምስሶ ሓቲቶም ክብል ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.