Fana: At a Speed of Life!

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)ን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣብ ጋርመንት ኢንዱስትሪን ኣዳማ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)ን ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣብ ጋርመንት ኢንዱስትሪን ኣዳማ ዑደት ኣካይዶም።

እቲ እንዱስትሪ ዝርከበሉ እዋናዊ ኩነታት ቴክኖሎጂን ናይ ቀፃሊ አንፈትን ኣመልኪቱ  ገለፃ ተገይሩ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ከይዲ ምፍራይ ጋርመንት ኢንዱስትሪ ኣዳማ ከምዝተዓዘቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ጋርመንት ኢንዱስትሪ ኣዳማ ፋብሪካ ናዝሬት ሸራን ልብስ ስፌት ብዝብል ኣብ 1980 ዓ.ም ዝተመስረተ እንትኸውን÷ ሰራዊት ምክልኻል መትሐዚ ዕጥቂን ክዳውንቲን ኣሰናዲኡ ብምዕጣቕ ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ዘኻዕበተ ኢንዱስትሪ ኢዩ።

ኢንዱስትሪ ጋርመንት ኣዳማ ኣብዚ ሕዚ እዋን÷ ኣብ ትሕቲኡ ፍርያታት ማእለማን ጎልፎን ዘለዉዎን ናይ ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ እውን ናይ ካልኦት ኣካላትፀፅታ ወታደራዊ ክዳውንቲ፣ ማዓርጋት፣ ኣርማታትን ዕጥቂታትን እናፍረየ ይርከብ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.