Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይዛ ሃገር ናይ መወዳእታ ድፋዕ እንበር ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ድፋዕ ኣይኮነን-ሌ/ ጄ ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይዛ ሃገር ናይ መወዳእታ ድፋዕ እንበር ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ድፋዕ ኣይኮነን ክብሉ ዋና መተሓባበሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራወት ምክልኻል ሃገር ሌተናል  ጄነራል ባጫ ደበሌ  ገሊፆም።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓማውቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ኣብዮታዊ ዴሞክራሲ ናይ መወዳእታ ድፋዕ እንበር ናይ ኢትዮጵያ  ድፋዕ ኣይነበረን ኢሎም።

እቶም ሌተናል ጀነራሉ ነዚ ዝበሉ ኣብ ጦቢያ ፕሮግራም እዩ።

ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ንኩለ መዳይ ለውጢ ሃገር ፃዕሪ ዝገብርሉ እዋን ምዃኑ ብምሕባር፥ እዚ መሰረታዊ ሓሳብ ብምስምዕማዕ ምዃኑ ከም መርኣዪ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣኻኺሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝነበረ  ወታደራዊ ኣስተምህሮ ነዛ ሃገር ምስ ዝመርሕዋ ዝተዋደደ ከምዝነበረ ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ባጫ፥ እዚ ድማ ንመራሕኢን ሓሳቦምን ተኣማኒ ኣገልጋሊ እንተኾ እውን ሃገርና ወራሪ ኣብ ዘጋጠማ እዋን ህይወቱ እንተይሰሰዐ ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ብምኽፋል ዶብ ኢትዮጵያ ሓሊዩ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.