Fana: At a Speed of Life!

ኣብዛ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግደ ትካላትን ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዛ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ግደ ትካላትን ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ ብጉባኤ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝተሰናድአ አንትኸውን፥ ፓርቲታት ፖለቲካን መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብቲ ዘተ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ፣ መንግስቲ ዝፈፀሞም ለውጢታት ከምእወንታዊ ጅማሮ ዝተርኣዩ እንትኾኑ፥ ብኣንፃሩ ድማ ገህሰታት ሰብኣዊ መሰል እንተጋጥሙ ናይ ምሽፋን፣ ኣካላት ፈትሒ ሕጊ ናይ ምኽባር ግዴተኦም ዘይምውፃእ ዝብል ድማ ከምድኽመት ተገሊፁ ኢዩ።

ጎንፅታት እንተጋጥሙ ንህይወት ሰብ ቀዳምነት ብምሃብ ክስራሕ ከምዝግባእ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.