Fana: At a Speed of Life!

ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ስሩዕ ስራሕ ዳይነት በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)አብያተ ፍርዲ ፌዴራል ስሩዕ ስራሕ ዳይነት በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ጀሚረን።

መርሃ ግብሪ ምጅማር ስሩዕ ግልጋሎት ዳይነት ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል 2016 ዓ.ም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ተኻይዱ።

ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 1 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ክሳብ 30 መስከረም 2016 ዓ.ም ተዓፅዮም ከምዝፀንሑ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቴዎድሮስ ምህረት÷ ኣቢያተ ፍርዲ ልዕልነት ሕጊ ንኽረጋገፅ ዕዙዝ ግደ ኣለዎም ኢሎም።

ብምዃኑ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ከም ቀደመን ፍትሓዊ፣ ናፃን ዘይሻራውን፣ ቅልጡፍ፣ ፅሬት ዘለዎን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ግልጋሎት ንሕብረተሰብ ንምሃብ ከምዝተዳለዉ ገሊፆም።

ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ለውጢ ቅዋም ዘይሻራዊ ዳይነት ብዝሓለወ መልክዑ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ግልጋሎት ዝጀመራ ኣብያተ ፍርዲ÷ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፣ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራልን ሓፈሻዊ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራልን እየን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.