Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ባቡር ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ምብራቓዊ ግዝኣት ኦዲሻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግጫው ብዙሓት ባቡር ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ ልዕሊ 260 ሰባት ከም ዝሞቱን 650 ከም ዝቘሰሉን ሰበስልጣን ገሊፆም።

እቲ ቑፅሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ናብ ምምሕዳር ባላሶረ ልዕሊ 200 ኣምቡላንሳት ከም ዝተላእኻ ሓላፊ እታ ምምሕዳር ኦዲሻ ፕራዲፕ ጀና ገሊጹ።

ትማሊ ዓርቢ ምሸት ሓንቲ ባቡር ተገልገልቲ ብኻልእ ባቡር ቅድሚ ምዕጻዋ ካብ መገዲ ሓጺን ተኣልያ ከም ዝነበረት ይግመት።

እዚ፡ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዝኸፍአ ሓደጋ ባቡር እዩ። ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ዝያዳ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

መገዲ ባቡር ህንዲ እቶም ኣብዚ ክስተት ዝተጓነፉ ክልተ ኣገልግሎታት ኮሮማንደል ኤክስፕረስን ሃውራ ሱፐርፋስት ኤክስፕረስን ምዃኖም ገሊፁ።

ቅድም ክብል ኣብ ዝወፅአ ሓበሬታ፥ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ኦዲሻ ሱዳንሹ ሳራንጊ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት 288 እዮም ክብል ገሊፁ ነይሩ።

ኣመሓዳሪ ባላሶረ ጀና ኣቐዲሙ ልዕሊ 100 ተወሳኺ ሓካይም ከም ዝተዋደዱ ገሊፁ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ በቲ ፍፃመ ከም ዝተጨነቐ ብምግላፅ ንስድራ ግዳያት ምፅንናዕ ተመንዩ።

“ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ናይ ምድሓን ስራሕ ይካየድ ኣሎ፤ ነቶም ዝተጎድኡ ድማ ኵሉ ዝከኣል ሓገዝ ይግበር ኣሎ” ክብል ኣብ ትዊተር ፅሒፉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሚት ሻህ ነቲ ፍፃመ “ኣዝዩ ዘሕዝን” ክብል ገሊፁዎ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.