Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንፀት ሰላም ሃገር ርኢቶ ኣካላት ድሕንነትን ፀፅታን ብዝብል ርእሲ ልዝብ ይሳለጥ ኣሎ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ጦር ምክልኻል ምስ ሚኒስትር ሰላም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ብምትሕብባር “ኣብ ህንፀት ሰላም ሃገር ርኢቶ ኣካላት ድሕንነትን ፀፅታን” ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ዋና መተሓባበሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀኔራል ባጫ ደበሌ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል፣ ኣመራርሓታት ፀፅታን ድሕንነትን ክልላት፣ ሙሁራትን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም፡፡

ኣብ እዋናዊ ስትራቴጂክ ጉዳያት ድሕንነት ፀፅታ ሓበራዊ ኣተሓሳስባ ንኽፍጠር ምግባርን ተምሃሮ ኮሌጅ ጦር ኣብ ጉዳያት ስትራቴጂክ ድሕንነት ኩለመዳይ ዓቕሚ ንኸደንፍዑ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ቀነኣ ያደታ፥ እቲ ዘተ ምስ ህንፀት ሰላም ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ ቅዋም ንመሓዝ እውን ጠቓሚ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.