Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ብዝበፅሐ ሓደጋ ኣስታት 100 ሚሊየን ብር ዝግመት ክሳራ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ብዝበፅሐ ሓደጋ ኣስታት 100 ሚሊየን ብር ዝግመት ክሳራ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኢትዮ ቴሌኮም ድሕንነት መሰረተ ልምዓት ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዛተ ኣሎ።

ካብ 20 ክሳብ 30 ዓመት ግልጋሎት ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም ብዝብል ዝተዘርግሑ መሰረተ ልምዓታት ኬብል ኔትወርክ ፋይበርን ኮፐርን ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዘ ብስርቆት፣ ብቓፀሎም ምቁርራፅን ይበርሱ ምክህላዎም ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ጉድኣት ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ምምፅኡ እቲ ትካል ግልጋሎቱ ብፅርየት ንከየቕርብን ተበፃሕነቱ ከየስፍሕን ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሕደረሉ ተዛሪበን።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ 547 ሓደጋታት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ከምዝበፅሑ እውን ሓቢረን።

ካብዚ እቲ 46 ሚኢታዊ ዝኸውን ኮነ ተባሂሉ ከምዝተፈፀመ ገሊፀን።

ብምኽኒያት እቲ ዝበፅሕ ዘሎ ሓደጋ ኣስታት 100 ሚሊየን ብር ዝግመት ክሳራ ከምዝበፅሐ ኣብሪሀን።

እቲ መጠን ገንዘብ 25 ማእኸላት መውሃቢ ግልጋሎት ሞባይል ንምኽፋት ከምዘኽእል ድማ ገሊፀን።

እቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ34 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘለዎ እተን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ህዝብን ዝምልከቶ ኣካልን ኣብ ቀፃሊ እዋን ተመሳሳሊ ሓደጋ ንከይበፅሕ ግቡኦም ክፍፅሙ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.