Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ንግብረ ራዕዲታት ድጋፍ ብምሃብ ገበን ዝተጠርጠሩ 15 ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረር ኣብ ልዕሊ ንግብረ ራዕዲታት ህወሓትን ሸኔን ድጋፍ ብምሃብ ገበን ዝተጠርጠሩ 15 ውልቀ ሰባት ክሲ ከምዝተመስረተ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዋና ኣቃቤ ህጊ እቲ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣይተ ኣዩብ አህመድ ንግዜኢ ከምዝበልዎ፥ ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ብግብረ ራዕዲ ዝተፈረጁ ህወሓትን ሸኔን ኣብት ክልል ዝድግፉ ውልቀ ሰባት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ምስ ሕብረተሰብን ኣካላት ፀጥታን ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ።

በዚ ድማ ኣብቲ ክልል ነቶም ግብረ ራዕዲታት ድጋፍ ፋይናንስ ዝገብሩን ንጥፍኣት ዘለዓዕሉን ውልቀ ሰባትን ትካላትን ብምቁፅፅር ናይ ምርመራን ጉዳዮም ብሕጊ ንክረአን ክሲ ናይ ምምስራት ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ንግብረ ራዕዲታት ድጋፍ ብምሃብ ገበን ዝተጠርጠሩ 15 ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪቱ ኢሎም።

ከምኡውን ሸውዓተ ትካላት ተዓሽጎም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.