Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓዱሽ ስርዓት ትምህርቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ እንትውድኡ ሰብ ሞያታት ክኾኑ ኢዮም – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሓዱሽ ስርዓት ትምህርቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ እንትውድኡ ሰብ ዋናታት ሞያ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚንስትር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ፥ ኣብ ውሽጢ ሓፈሻዊ ዓውዲ ትምህርቲ ንኹሎም ተምሃሮ ኩለመዳይ ትምህርቲ ሞያ ብመሃብ ዝተምሃረን ኣብቲ ዓውዲ ፍልጠት ዘለዎ በዓል ሞያ ንምፍጣር ትኹረት ተገይሩ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ፥ ሓፈሻዊ ዓውዲ ትምህርቲ ትልሚ 10 ዓመት ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣድሂቡ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢዩ።

ሓፈሻዊ ትምህርቲ ሓደ ዘፈር ትምህርቲ ሞያ ንኽኸውን ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብቲ ዘተ ተሓቢሩ።

ኣብ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ሞያ ዘለዎ ተምሃራይ ንምፍጣር ናይ ሞያ ትምህርቲ ምስ ስሩዕ ትምህርቲ ብምጥዕዓም ጎድና ጎድኒ ከምዝወሃብ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም እንትዛዝሙ ሰብ ሞያ ኮይኖም ክወፅኡ ኢዮም ተባሂሉ።

ምሃብ ትምህሪቲ በፃሓትን ዘይስሩዕን ኣብ ቀፃሊ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እዚ ንምፍፃም ዘኽእል ዘፈር እውን ተጣይሹ ኢዩ።

ፍልጠት ክሳብ ታሕቲ ንኽወርድ ብምግባር ንኹሉ ተበፃሒ ምግባር ሓደ ኣካል ትልሚ 10 ዓመት ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.