Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መሰልጠኒ ሁርሶ እናሰልጠኑ ዝርከቡ ምልምላት ዘብዓቢ ሃገሮም ንምኻን መስዋእትነት ንምኽፋል ቆራፃት ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ኮንተንጀንት ምኽባር ሰላም ሁርሶ መሰረታዊ ውትድርና እናሰልጠኑ ዝርከቡ ምልምላት ዘብዓቢ ሃገሮም ንምኻንን መስዋእትነት ንምኽፋልን ቆራፃት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣዛዚ እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ኮሎኔል ኣዲሱ ተርፋሳ፥ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ስልጠነኦም እናተኸታተሉ ዝርከቡ ምልምላት ናይ ውሽጢን ወፃኢን ፀላእቲ ንምምካት ዘኽእልሎም ወታደራዊ ስልጠና ብልዑል ፍቕሪ ሃገርን ወነን እናተኸታተሉ ይርከቡ።

ምክትል ኣዛዚ እቲ ማእኸል ሓላፊ ስልጠና ኮ/ል ዓሊ ሰይድ፥ ግብረ ራዕዳውያንን ከሓድቲን ጉጅለታት ሃገር ንምፍራስ ይፅዓሩ እምበር ካብ ምፍራስ ንምድሓን ካብ ኩሉ ኣንፈት ኢትዮጵያ ተኣኪቦም ውላድ ቁርፂ እዋን ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ናፃ ብዝኾነ መገዲ ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር፣ ብወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ጥራሕ ንኽስልጥኑ እናተገበረ ከምዝርከብ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.