Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣብቲ ቀጣና ናይ ዘሎ ክፍለ ሰራዊት ዋና ኣዛዚ ገሊፆም።

ኣብ  ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳታት ጊዳ ኣያና፣ ኪረሙ፣ ኢበንቱ፣ ሃሮሊውን ሊሙን ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብቲ ቀጣና ናይ ዘሎ ክፍለ ሰራዊት ዋና ኣዛዚ፥ ብሳንባ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝትንፍስ ዕጡቕ ሸኔ ብዝተወሰደ ስጉምቲ 49 ኣባላት ሸኔ እንትማረኹ ሓሙሽተ ድማ ስጉምቲ ተወሲዱዎም ኢዩ ኢሎም።

50 ዝኾኑ ድማ ሓበሬታ እንትህቡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ 18 ሞተር ሳይክለ፣ 44 ሞባይል፣ 26 ዝተፈላለዩ መሳርሒታት፣ 25 በርሚል ነዳዲ ሓዊሱ 74 ሺሕን 795 ብር ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.