Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ፅኑዕ ስትራቴጂካዊ ርክብ ኣብ ዝቕፅል ዓመት እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ታን ጂያን ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ዓመተ 2020 ኢትዮጵያን ቻይናን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 50 ዓመት ዝኽበረሉ ዓመት ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም።

እቲ ዓመት ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ዕዉት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣሐይለን ዝቕፅላሉ ዓመት ከምዝኸውን እውን ኣብሆም።

ፕሮጀክት ምውቃብ ሸገር ሓዊሱ ካልኦት ፕጀክታት ኣብ 2020 ንምዝዛም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ኢኮኖሚን ዓውዲ ሕርሻን እውን ተረባሕነት ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ክስርሑ ኢዮም ኢሎም።

ብዙሓት ኩባኒያታትን ሰብሃፍቲን ቻይና ካብ ማንም እዋን ብዘሐሸ መልክዑ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድሌት እናርኣዩ ምዃኖም ብምግላፅ፥ እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘሓዞ ትልሚ ሓጋዚ ከምዝኸውን ገሊፆም።

ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ንእተሃንፆ ማእኸል መከላኸሊ ሕማም መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምግባር ትልሚ ከምዘለዋ እውን እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ፥ ሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ክኸውን ኢዩ ዝብል ሙሉእ እምነት ከምዘለዎም ኣምባሳደር ታን ጂያን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.