Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቂቕ ሰነድ ብሄራዊ ፖሊሲን ስትራቴጂን ማይ ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ረቂቕ ሰነድ ብሄራዊ ፖሊሲን ስትራቴጂን ማይ ትኹረት ዝገበረ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ፥ እዋኑ ዝሓቶ ዝተመሓየሸ ፖሊሲ ምስንዳእ ኣድላዪ ብምዃኑ እቲ መድረኽ ዘተ ምድላዉ ገሊፆም።

እቲ ዝተመሓየሽ ፖሊሲ፥ ምስ እዋናዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ዝጠዓዓም፣ ፈታሒ ፀገምን ሓፈሻዊ ኣንፈት ቀፃሊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን ተሓሲቡ ከምዝተዳለወ እውን ኣብሪሆም።

 

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ከምኡ እውን ሰብ ሞያታትን ተሳተፍቲ ምዃኖም ካብ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.