Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ርብዒ ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ 959 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ርብዒ በጀት ዓመት 2015ዓ.ም ካብ ንግዲ ወፃኢ 959 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ በጀት ርብዒ ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ 1 ቢሊየን 120 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተሓሲቡ 85 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ክዕወት ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እዚ ሕርሻ 81 ነጥቢ 03 ሚኢታዊ፣ ዘፈር ምፍራይ 9 ነጥቢ 63 ሚኢታዊ፣ መዓድን 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ክኡ እውን ኤሌክትሪክን ካልኦት ፍርያታትን3 ነጥቢ 24 ሚኢታዊ ብፅሒት ኣመዝጊቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.