Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ መፍትሒ ንኽረክብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ተሓታቲ ክገብር ይግባእ – ፕ/ር አን ፊትዝ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ መፍትሒ ንኽረክብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ተሓታቲ ክገብር ከምዝግባእ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጌራልድ ገሊፀን።

ኣብ ካናዳ ተመራማሪት ዓለም ለኸ ጉዳያት ፀፅታን ዲን ዓለም ለኸ ዓለም ለኸ ጉዳይት ክፍሊ ትምህርቲ ባልሲሊን ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጌራልድ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክፋል እታ ሃገር ዘተፈጠረ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ብዙሓት ፃዕሪታት ምግባሩ ኣልዒለን፡፡

ለዚህም መንግስት በፈረንጆቹ ሰኔ ወር 2021 የተናጠል ተኩስ አቁም ማወጁን እና በተያዘው ዓመት መጋቢት ወር ላይ ወደ ትግራይ ክልል የሰብዓዊ እርዳታ እንዲገባ የሰብዓዊ ተኩስ አቁም ማድረጉን አስታውሰዋል

ነዚ ድማ መንግስቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ሰነ2021 በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ምእዋጁን ኣብዚ ዓመት ወርሒ መጋቢት ድማ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸኣቱ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተኹሲ ምግባሩ ኣዘኻኺረን፡፡

ይኹን ምበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝቐረበሉ ፃውዒት ሰላምን ብምንፃግ ትንኮይኡ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጌራልድ ኣብሪሀን፡፡

ዓመፅቲ ጉጅለታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ሉኣላውነት ሃገር ዝዳፈሩ እንተኾይኖም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ ኢዱ ዓፂፉ ክቕመጥ ከምዘይብሉ ምግንዛብ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፂ መፍትሒ ንኽረክብ በሪ ሰላማዊ ልዝብ ዝዓፀወ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተሓታቲ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣብሪሀን፡፡

ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ከምዝተነበረ ዝሓበራ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጌራልድ÷ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ኣመራርሓታቱን ግን ዝኾነ ይኹን ማዕቐብ ከምዘይተነበረ ኣልዒለን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝቐረበሉ ሰላማዊ ዘተ ብተደጋጋሚ ውዱቕ ኣብ ልዕሊ ዝገበረ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተመጣጣኒ ማዕቐብ ምንባር ከምዘድሊ ኣገንዚበን፡፡

እቲ ኲናት ብዝኾነ መለክዒ መኽሪን ክቕፅል ዘይግበኦን ከምዝኾነ እውን ኣተሓሳሲበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.