Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰንሰለት እታዎታት ቡና ንዝተዋፈሩ ኣካላት ልቓሕ ንምርካብ ዘኽእል ፕሮጀክት 10 ሚሊየን ዩሮ ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ግብርና ምስ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ ኣብ ሰንሰለት እታዎታት ቡና ንዝተዋፈሩ ኣካላት ልቓሕ ንምርካብ ዘኽእል ፕሮጀክት 10 ሚሊየን ዩሮ ከቲሙ።

ሚኒስተር ግብርና ኡመር ሁሴንን ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ኣውራሊያ ፓትሪዚያ ካላብሮ ኣብቲ ስምምዕነት ክታሞም ኣንቢሮም።

እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ሰንሰለት እታዎታት ቡና ንዝተዋፈሩ ኣካላት ኣብ ዝሕግዝ ፕሮጀክት በምትሕብባር ንምስራሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣይተ ኡመር ሁሴን፥ ንለኣኽቲ ቡና፣ ኣቕረብትን ኣፍረይቲን ሕፅረት ፋይናንስ ቀንዲ መሓንቕ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ስምምዕነት ከምዘቃልሎ ኣረዲኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.