Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱልልታ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 12 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞን ዙሪያ ፍንፊኔ፣ ወረዳ ሱልልታ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 12 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ትራፈክ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8 ከምዘጋጠመ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ወረዳ ሱሉልታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

ካብ ደብረ ታቦር ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትጓዓዝ ዝነበረ ኢትዮጵያ ባስ መጓዓዚያ ህዝቢ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣሊ ዶሮ ምስ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣይሱዙ ዝዓይነታ ቅጥቅጥ መጓዓዚያ ህዝቢ ብምልታማ ኢዩ ኢቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ክሳብ ሐዚ 12 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፥ ካልኦት ተሳፈርቲ እውን  ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሖም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.