Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት ልዕሊ 500 ሺሕ ኣገልግሎት ኦንላይን ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 500 ሺሕ ንዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ፍቓድ ንግዲ ሓዊሱ ተዛመድቲ ኣገልግሎታት ኦንላይን ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ  ተገምጊሙ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ኣገለግሎት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ንግድን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ፥ ኣብቲ ርባዕ ዓመት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ስርዓት ዕዳጋ ነዳዲ ንግዕዙይ ኣሰራርሓ ተቓላዒ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ፍልፍል ልዑል ቅርታታት ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

አሁን ላይ ከነዳጅ ግዢ ትዕዛዝ ጀምሮ ወደ አዲስ አበባ ማጓጓዝ እንዲሁም የስርጭት ሂደቱን በዲጂታል ስርዓት የመቆጣጠር ስራ በሙከራ ደረጃ በአዲስ አበባ መጀመሩን ነው የተናገሩት።

ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 500 ሺሕ ንዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ፍቓድ ንግዲ ሓዊሱ ተዛመድቲ ኣገልግሎታት ኦንላይን ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኣብቲ ርባዕ ዓመት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኦንላይን ተበፃሒ ብምግባር ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

መበገስቲ ሓሳባት ዓውዲ ቴክኖሎጂ (ስታርታፓት) ብምድጋፍ ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተፈፀመ ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.