Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ልዕሊ ብር 500 ሚሊየን ንግድብ ህዳሰ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ልዕሊ ብር 500 ሚሊየን ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ገንዘብ ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይሉ ኣብራሃም ከምዝገለፁዎ፥ ዜጋታት ነቲ ግድብ ዝገብሩዎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ብፍይ ምስ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ተተሓሒዙ ሓገዝ ህዝቢ ብልዑል ኩነታት ከምዝወሰኸ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ብር 507 ሚሊየን ከምዝተኣከበ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተኣከበ መጠን ገንዘብ ብመንፅር ወርሒ እንትረአ ዝለዓለ መጠን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ጉዳይ ህልውናን ሉኣላዊነትን ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ዘርአዩሉ ከምዝኾነ ኢዮም ኣይተ ሃይሉ ዝገለፁ።

ክሳብ ሕዚ እዋን ንህንፀት እቲ ግድብ ብር 121 ቢሊየን ወፃኢ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ዝህሉ ስራሕ ድማ ከባቢ ብር 40 ቢሊየን ወፃኢ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ኣይተ ሃይሉ ኣብራሃም፥ ህዝቢ ነቲ ግድብ ዝገብሮ ሓገዝ ኣናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.