Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፃውዒት ልዕሊ 74 ሺሕ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገር መፂኦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ፃውዒት ብምቕባል ኣብ ኣብ ቀዳማይ ዙር ጥራሕ ልዕሊ 74 ሺሕ ኣብ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገር ከምዝመፅኡ ግልጋሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 13 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ዓለም ዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገር ንኽመፅኡ ፃዒት ምቕራም ይዝከር፡፡

ኣብ ግልጋሎት ዳያስፖራ ኢትዮጰያ ተጠባባቒ ዳይሬክተር ልምዓት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ነብዩ ሰለሞን ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ፃውዒት ብሰለስተ ምዕራፋት ተኸፋፊሉ ዝተመሓላለፈ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገር እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ብዝምልከት ግቡእ ናይ ምፍላጥን ክዕዘቡ ናይ ምግባርን ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካልኣይ ምዕራፍ ፃውዒት 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ብዕሊ ከምዝተጀመረ ብምሕባር፥ እቲ ፃዒት ክሳብ 30 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.