Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቅንያት ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ሓሙሽተ እምነ ኩርናዓት ክቕመጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ሽዱሽተ ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ሓሙሽተ እምነ ኩርናዓት ከምዝቕመጡ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዓዲ ሓ ዘመናዊ መናሃርያ
2. ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ሙሉእ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
3. ኣብ ክፍለ ከተማ ኩሓ ሙሉእ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
4. ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ጣቢያ ጥዕና
5. ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ላጪ ጣቢያ ጥዕና ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ክንበር ኢዩ።

ዲዛይናት እቶም ህንፃታት ብዩኒቨርስቲ መቐለ ተሰናዲኦም፥ ብሱር ኮንስትራክሽን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ተግባራዊ ዝግበሩ እዩም ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዚያን ከተማ መቐለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.