Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 7 ነጥቢ 9 ሚሊየን ቶን ኣገልግሎት ደረቕ ፅዕነት ምሃብ ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም  7 ነጥቢ 9 ሚሊየን ቶን ኣገልግሎት ደረቕ ፅዕነት ምሃቡ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሮባ መገርሳ፤ እቲ ትካል ኣብ በጀት ዓመት 2014 ኣፈፃፅማ ትልሚ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም። ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኲናት ሩሲያን-ዩክሬንን ካልኦት ምኽንያታት ብብርኪ ዓለም ምዝባዕ ንግዲ ብፍላይ ኣብ ድኹዒ፣ ሓፂን፣ ነዳዲ፣ ስርናይ፣ ዕፉን፣ ዘይቲ ሱፍን ኣብ ካልኦትን ፅዕንቶ ምፍጣሩ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ውሽጢ እዚ፥ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጅስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ ሺፒንግ፣ ዶብን ካልኦት ኣገልግሎታት 7 ነጥቢ 9 ሚሊየን ቶን ኣገልግሎት ደረቕ ፅዕነት ከምዝሃበ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እቲ ኣገልግሎት ፅዕነት ብዋንነት ብዶብ ጂቡቲ ዝተውሃበ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣፈፃፅማ ትልሚ እቲ ትካል 92 ሚኢታዊት ምዕዋቱ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.