Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሩንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ህይወት 15 ሰባት ክምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ብሩንዲ ቡጅምብራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ብውሑዱ 15 ሰባት ህይወቶም ክምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ቀዳምን ሰምበትን ዝወቕዐ ሓያል ማይ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ምንሽርታት መሬት ብውሕዱ ህይወት 15 ሰባት ዝሓለፈ እንትኸውን፥ 30 ሰባት ከምዝቖሰሉ እውን ከንቲባ ከተማ ቡጂምብራ ኣፍሊጡ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ብዙሓት ሰባት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ ተገሊፁ።

አንጌላ ዝተብሃላ ጓል 50 ዓመት ኣዶ፥ በቲ ሓደጋ መንበሪ ገዝአን ምዕናዉ ስዒቡ በዓል ገዝአንን ኣርባዕተ ደቀንን ከምዝሰኣና ተዛሪበን።

ሚኒሰትር ፀጥታ ብሩንዲ ኣሊየን ጉኢላኡሜ በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዑደት ዘካየዳ እንትኾና፥ መንበሪ ኣባይቶም ዝዓነዎም ዜጋታት ግዜያዊ መዕቖቢ ከምዝቐርበሎም ገሊፀን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዛሓለፉ ሳምንታት ብዝወቕዐ ሓያል ማይ ምኽንያት ህይወት ብዙሓት ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ።

 

ፍልፍል፦ ሲ.ጂ.ቲ.ኤን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.