Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ትኹረት ዝገበረ ‘ኣስተውሎት’ ዝተብሃለ ፊልም ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዙሪያ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ትኹረት ዝገበረ ‘ኣስተውሎት’ ዝተብሃለ ፊልም ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ሰውኛ ፕሮዳክሽንን ኢንተርቴይመንት ኣቢሉ ዝተሰናደአ ፊልም ‘ኣስተውሎት’÷ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሑ ሮቦታትን ሰባትን ብጥምረት ዝሰርሑዎ ፊልም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ፊልም ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተመስሪቱ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር)÷ “እቲ ፊልም ዝሐሸ ፅባሕ ንኽንርኢ ሎሚ ካብ ፅባሕ ብዝሓሸ መልክዑ ንኽንነብር ዝሕግዝ ኢዩ” ኢሎም።

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.