Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ ሰናይ ተበግሶን ዝጠመተ ስልጠና ንምናእሰይ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተፈላለዪ ከባቢታት ክልል ትግራይ ንዝተውፃእፅኡ 500 መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ ሰናይ ተበግሶን ዝጠመተ ስልጠና ኣብ ዪንቨርስቲ መቐለ ይወሃቦም ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ “መንእሰይ ንህንፀት ሰላም ዲሞክራሲን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ብምትሕብባር ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ፣ ዩንቨርስቲ መቐለን ኪነ ጥበባዊ ማሕበር ጮራ ኣቡጊዳን ዝወሃብ ዘሎ ሰልጠና፥ ካብ 14 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ መቐለን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝርከባ ወረዳታት ዝውክሉ 500 መናእሰይ ይሳተፉ ኣለዉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.