Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበሎም ኩሎም በቲ ቫይረስ ከምዘይተለኸፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ን547 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮረና ዝተገበሎም እንትኾን ኩሎም እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኸቦም ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ዕለታዊ ፀብፃብ ከምዝበሎ ሸውዓተ (7) ካብ ሰቲት ሑሞራ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ዝነበሩ ቫይረስ ኮሮና ዝነበሮም ወገናት ሎሚ ዕለት ድሒኖም ወፂኦም ኣለው፡፡

ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 8 ሺሕ 223‬ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 183 ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ዝገለፀ እቲ ቢሮ ካብዚኦም 150 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፤ ኣብ ውሽጢ ሕክምና ካብ ዝርከቡ ሓደ ኣብ ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ከምዝርከቡ እውን ገሊፁ።

ምስ እዚኦም ሓደ ካብ ትግራይ ወፃኢ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ገይሩ ኣብ ትግራይ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ክንክን እናተገበረሉ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ፡፡

ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ 33 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ዝወፁ እንትኾኑ ክሳብ ሕዚ ሞት ሓንቲ ንእስቲ ኣጋጢሙ ከምዘጋጠመ እውን ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣዘኻኺሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.