Fana: At a Speed of Life!

“ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ዓሶ ጠፊኢ ኢዩ” ዝብል ርድኢት ዝተሰሓሓተ ኢዩ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ዓሶ ጠፊኢ ኢዩ” ዝብል ዝተሰሓሓተ ግንዛበን ዛንዜራ ናይ ዘይምጥቃም ፀገምን ከምዘሎ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኣህጉር ለኸ ማሕበር ቁፅፅር ሕማም ዓሶን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝካየድ 9ይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቁፅፅር ሕማም ዓሶ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ብብርኪ ዓለም ብሕማም ዓሶ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 96 ሚኢታዊ ኣብ ኣፍሪካ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ዝርገሐ እቲ ሕማም ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ዝኸውን ኣብ ኣፍሪካ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴሩ ሓቢሩ።

ወድዓዊ ኩነታ ሕማም ዓሶ ኣብ ኢትዮጵያ እንትረአ ድማ ካብ ፀገም ጥዕና ሓሊፉ ማሕለኻ ዕቤት ከምዘመግለፂ ተላዒሉ፡፡

እዋን ክራማት ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ኣፍራዪ ሓይሊ ካብ ስራሕ ስለ ዘተኣጓል መጠን እቲ ፀገም ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዝኸፍአ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጥሙ ፀገማት ፀፅታ÷ ኣብ ተበፃሕነት ዘፈር ጥዕና ምዝሕሓል፣ ለውጢ ንብረት ኣየርን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ፀገማትን እቲ ፀገም ንኽጋደድ ከምዝገበሩዎ ተገሊፁ፡፡

“ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ዓሶ ጠፊኢ ኢዩ” ዝብል ዝተሰሓሓተ ግንዛበን ዛንዜራ ናይ ዘይምጥቃም ፀገምን ከምዘሎ እውን እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ብምዃኑ እቲ ፀገም ንምፍታሕን መጠን ዝርገሐ እቲ ሕማም ብብርኪ ሃገርን ኣህጉርን ንምንካይ ካብ 6 ክሳብ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ኣህጉራዊ ጉባኤ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ብይስማው ኣደራው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.