Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን ሰላም ንምርግጋፅን ዝግበር ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ – ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶክተር ኣኔቴ ዌበር ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን ሰላም ንምርግጋፅን ዝግበር ፃዕሪን ንኢደን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስቶም ፍሉይ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምኡ እውን ኣብ ሓበራዊ ጂኦፖለቲካዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ተመያይጦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣበ ቀረባ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝተበፅሐ ምቁራፅ ተኹሲ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዘዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ኣተሓሒዞም ድማ ብመንግስቲ ካብ ዝተበፅሐ ምቁራፅ ተኹሲ ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝዝ ዝፀዓና 22 ተሸከርከርቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናብ ክልል ትግራይ እናኣተዋ ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.