Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ካብ ሞንጎ ዝተሓዙ ሰባት እቶም 15 ሚኢታዊ ዝኾኑ ናብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝኣትዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ካብ ሞንጎ ዝተሓዙ ሰባት እቶም 14 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ናብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝኣትዉ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ዝርከበሉ ኩነታትን ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣወሃህባ ግብረመልሲን ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ተዋሂቡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣስቻለው ኣባይነህ ከምዝበሉዎ፥ ቫይረስ ኮሮና ብውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣት ጥዕና ዓለም ምዃኑን ሃገራት ቅድመ ምድላው ንኽገብራን ቅድሚ ምግላፁ፤ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ኣብ መእተዊን መውፅኢን በሪታት ምፍላይ መጠን ረስኒን ክትትልን ብምግባር እቲ ቫይረስ ከስዕቦ ዝኽእል ዝነበረ ፀገም ብልዑል ብርኪ ምንካይ ተኻኢሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዲስ ኣበባ ብዝርገሐ እቲ ሕማም ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ዝተገለፀ እንትውን፥ ክልላት ኦሮሚያን ትግራይን ድማ ኣብ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ይረጃ ከምዝርከባ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተሳለጠ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሐ ሃገር ለኸ ወፍሪ ምርመራ፥ ልዕሊ 73 ሚኢታዊ ዝኾኑ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዝተረኸቡ እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ኣብሕዚ እዋን መጠን ምርመራ ዝነከየ ይኹን እምበር እቲ ቫይረስ ዝርከቦምን ንሕልፈት ዝቃልዑን ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ካብ ሞንጎ ዝተሓዙ ሰባት እቶም 14 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ናብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ይኣትዉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ከም ሃገር ዘሎ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ 10 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣድላዪ ቅድመ ምድላው፣ ስራሕቲ ምስንዳእ ማእኸላት ሕክምናን ላብራቶሪን ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ፤ እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጁን ድማ ክፍጠር ዝነበረ ፀገም ምንካይ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢለን።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ተወሲዶም ዝነበሩ ክልከላታትን እገዳታትን ከም ሃገር ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ፅዕንቶታት ከምዘሕደሩ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ነዙይ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ጥንቃቐ ብምግባር እቶም እገዳታት ክፎኽሱ ከምዝተገበረ ብሪሀን።

ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ዝተዓፀወ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንኽፈት ዝተወሰነ እውን እቲ ፅንቶ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ኢለን።

ዝተልዓሉን ዝፈኾሱን ክልከላታት ኢሉ እውን ኣቢያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ ምግባሮም ኣድላዪ ስለዝኾነ፥ ሕዚ እውን እንተኾነ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ቫይረስ ኮሮና ሕዚ እውን ስግኣት ከምዝኾነ ዝሓበራ ዶክተር ሊያ፥ ዝወፅኡ መምርሒታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ሓይሊታት ፀፅታ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፀዊዐን።

ኣብቲ መግለፂ ዝተረኸቡ ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ትዮጵያ ቦሬኢማ ሃማ ሳምቦ፥ ኢትዮጵያ ንኮቪድ-19 ዝሃበቶ ምላሽ ዝበረታታዕ ምዃኑን ሕዚ ትምህርቲ ንምጅማር ምውሳኑን ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.