Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 653 ሰባት እንትርከቡ 11 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 503 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 653 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

11 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ድማ ናብ 239 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ 395 ሺሕን 851 ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 15 ሺሕን 200 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 170 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 6 ሺሕን 526 በፂሑ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 8 ሺሕን 433 ሰባት ኣብ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 66 ሰባት ኣብ ማእኸል ፅኑዓት ተሓከምቲ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.