Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሮም ካብ 400 ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 9 ሺሕን 35 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 565 ሰባት እንትርከቡ 17 ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 22 ሺሕን 818 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ትማሊ 17 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 407 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 12 ሺሕን 203 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ካብዚኣቶም ድማ 163 ሰባት ኣብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን ሕክምና ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 499 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 10 ሺሕን 206 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.