Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተገበረሎም 1 ሺሕን 560 ሰባት ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ውልቀ ሰባት ኢትዮጵያዊያን እንትኾኑ፥ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሎምን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ከምዘለዎም ዘይተረጋገፀ ምኻኑን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ከምዝፀሓፈኦ፥ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ወዲ 49ን ጓል 45ን ኢትዮጵያውያን ኢዮም።

እቶም ሓደ ውልቀሰብ ካብ ዝዋይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሚፂኦም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ዝነበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ናሙና ደሞም እውን ደቂሶም ካብ ዝሕከሙ ሕሙማት ምስተወሰደ ዝተረጋገፀ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እተን ካልኣይቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፋ ውልቀሰብ ድማ ነባሪት ወረዳ ስልጤ ከምዝኾናን ብዳህሳስ ገዛ ንገዛ ከምዝተፈለያን እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 135 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ 75 ሰባት ድማ ካፍቲ ሕማም ከሓውዩ ክኢሎም ኣለዉ።

እቶም ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም ምዃኖም እውን ዶክተር ሊያ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.