Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ 100 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 950 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 100 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ካብ’ቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ እቶም 99 ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ሓደ ድማ ዜግነቱ ቡሪንዲ ኢዮ ተባሂሉ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 3 ክሳብ 70 ምዃኖም ዝገለፃ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ፀታኦም ድማ 53 ደቂ ተባዕቲዮ 49 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 94 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ካብ ክልል ትግራይ፣ 2 ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡውን  3 ካብ ክልል ኦሮሚያን ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ጥዕና ገሊፀን።

ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 831 ከምዝበፅሐ እውን እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ብምኽኒያት ተወሳኺ ሕማም ኣብ ፅኑዕ ሕክምና ዝፀንሓ ጓል 70 ዓመት ኣዶ፥ ንቫይረስ ኮሮና ብዝተገበረ ምርመራ ናሙና ደም ተወሲዱለን ውፅኢት ከይበፅሐ ህይወተን ከምዝሰኣና እውን ተገሊፁ።

እቲ ውፅኢት ቫይረስኮሮና ከምዘለወን ዘረጋግፅ ኢዩ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪቫይረስ ኮሮና ቁፅሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 7 በፂሑ ኣሎ ኢለን።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽኒያት እተን ህይወተን ዝሰኣና ወገን ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 10 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 191 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.