Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ህንድን ባንግላዴሽን ኣብ ትግራይ ይውሰድ ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ መብርሂ ተዋሂቡዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ህንድን ባንግላዴሽን ኣብ ትግራይ ይውሰድ ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ መብርሂ ከምዝተውሃቦም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ዶክተር ትዝታ ሙሉጌታ ገሊፀን።

ጉጅለ ህወሓት 24 ጥቅምቲ ኣብ ለዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ከልል ትግራይ ሕጊ ናይ መኽባር ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እተን ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ህንድን ባንግላዴሽን ኣብ ትግራይ ይውሰድ ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ መብርሂ ከምዝተውሃቦም ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ልምዓት ሕርሻ ዕንበባ፣ ምፍራይ መድሓኒት፣ ጨርቃ መርቅን ኣልባሳትን ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ብዋናነት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዋፈርሎም ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.