Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ን10 ምርመራ መዓድንን 2 ፍርያት መዓድንን ፈቓድ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምእላሽን ምልማዕን መዓድንን ንምክያድ ፍቓድ ንዘሓተቱን መዐቀኒታት መውሃቢ ፍቓድ ኣመማሊኦም ዝተረኸቡን 12 ኩባኒያታት መዓድን ፍቓድ ከምዝተውሃቦም ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒሰቴር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ካብ ዝተውሃቡ ፍቓዳት ክልተ መዓድን ንምፍራይ ዝተውሃቡ ከምዝኾኑን እቶም 10 ድማ ፍቓድ ምርመራ ዝተውሃቦም ከምዝኾኑን ገሊፁ።

ፍቓድ ምፍራይ ዝተውሃቦም ኩባኒያታት መዓድናት ባዛልትን እምነበረድን ንምፍራይ ዝተውሃበ እንትኸውን፥ 10 ኩባኒያታት ድማ ኣብ ምርመራ መዓድናት ደለል ወርቂ፣ ወርቂን መሰል መዓድናትን፣ ሓፂን፣ ማንጋኔዝ፣ ክሮማይት፣ ብሪን ጀምስቶንን ዝተዋፈሩ ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ ፍቓድ ዝወሰዱ ኩባኒያታት ናይ ምፍራይ ይኹን ምርመራ ስረሖም እንተሳልጡ፥ ኣብ ኣዋጃት ፌዴራልን ክልላትን፣ ደምቢታትን መምርሒታትን መሰረት ብምግባር ብጥንቃቐ፣ ብቕልጣፈን ብዝተመልኦን ኩነታት ኣብ ዘፈር ኢንዱስትሪ መዓድን ተቐባልነት ዘለዎ ኣሰራርሓ ንምትግባር ኣብ ውሽጢ ስምምዕነት ተኻቲቱ ኢዩ።

ብተወሳኺ ተመጣጣኒ ፍልጠት፣ ልምዲን ክእለትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ቅድሚያ ዕድል ስራሕ ንመሃብን ኣብቲ ስራሕ እንትዋፈሩ ኣድላዪ ዝኾነ ስልጠና ናይ ምሃብ ግቡእን ከምዘለዎም ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ዲኤታ መዓድንን ነዳዲን ወይዘሮ ስመኝ ውቤ ምስ ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ፍቓድ ወሰድቲ ኩባኒያታት ተፈራሪመን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.