Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድዝመፅ ቀዳም ምሃብ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድዝመፅ ቀዳም 4 መጋቢት 2013 ዓ.ም ምሃብ ከምዝጅመር ሚኒስቴር ጥዕኛ ኣፍሊጡ።

እቲ ክታበት ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝወሃብ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና፥ ክታበት ንምጅማር ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት ብስፍሓት እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ ስልጠና ምሃብ፣ ክታበት ምክፍፋን፣ እቲ ክታበት ክወስዱ ዝግበኦም ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ ምፍላይ ተግባርን ከምኡ እውን ካልኦት ምድላዋት ከምዝተሰርሑ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ዙር ክታበት ኮቪድ-19 ካብ ዓለም ለኸ ጥምረት ኮቫክስ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ክታበት ከምዝተረከበት ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.