Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 2 ሚልየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኮይኑ’ሎ።

እዚ ቁፅሪ ከኣ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዘስርዓ እንትኸውን፥ ነታ ኣብ ኻልኣይ ብርኪ ዘላ ብራዚል ብሰለስተ ዕፅፊ ትበልፃ።

ኣብ ብራዚል ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 772 ሺሕን 400 በፂሑ’ዩ።

ኣሜሪካ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልየን “ሳምፕላት” ብምውሳድ ምርመራ እተካይድ ብምዃና ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ትስራዕ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብብዝሒ ክርከቡ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት ድማ ምስ መጠን እተካይዶ ምርመራ ከምዝተሓሓዝ ይግለፅ።

ኣብታ ሃገር 112 ሽሕን 878 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.