Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ብኮቪድ-19 ዝተተረሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 100 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብኮቪድ-19 ዝተተረሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 100 ሚሊየን ከምዝዛየደ ተገሊፁ።

ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ ከምዘመላኸቶ÷ እቲ ለበዳ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ዘሎ ሰለስተ ዓመታት 100 ሚሊየን 2 ሺሕን 248 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፤ ልዕሊ 1 ሚሊየን 88 ሺሕ ሰባት ድማ ንሕልፈት ተቓሊዖም፡፡

ግዝኣት ካሊፎርኒያ 11 ነጥቢ 6 ሚሊየን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ እንትትከውን÷ ቴክሳስ 8 ነጥቢ 1 ሚሊየን ከምኡ እውን ፍሎሪዳ 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዝተትሓዙ ሰባት ዘመዝገባ ግዝኣታት ኢየን፡፡

ኣብታ ሃገር ኣብዚ ወርሒ ዝተመዝገቡ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 70 ሚኢታዊ ዝኾኑ ኣሚክሮን ቫይረስ ዝተብሃለ ዓሌት ኮቪድ-19 ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ፡፡

ዩናይትድ ስቴትስ ብቫይረስ ኮሮና ኣዚያ ዝተሃሰየት ሃገር እንትትከውን÷ ኣብ ዓለም ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ንሕልፈት ካብ ዝተቓልዑ ሰባት 16 ሚኢታዊ ከምትሸፍን ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.