Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ህፃናት ብዴልታ ኮቪድ-19 ይጥቅዑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ህፃናት ብዴልታ ኮቪድ-19 ይጥቅዑ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣካዳሚ ፔዲያትሪክስ ኣሜሪካን ማሕበር ሆስፒታል ህፃናትን ብዘውፅኡዎ ፀብፃብ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ኣብታ ሃገር ናብ 94 ሺሕ ዝፅግዑ ህፃናት በቲ ቫይረስ ተጠቒዖም፡፡

ሉዚያናን ፍሎሪዳን ብዙሓት በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ህፃናት ሪፖርት ዝተገበረለን ከባቢታት ከምዝኾና ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሆስፒታል ህፃናት ኒው ኦርሊያንስ ዝሰርሕ ዶክተር ማርክ ክላይን፥ ኣብ ሆስፒታሎም ብቫይረስ ኮሮና ተጠቒዖም ክሕከሙ ዝመፅኡ ሃፃናት ፍርቂ ዝኾኑ ዕድሚኦም ትሕቲ 2 ዓመት ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ለበዳ ካብ ዝኽሰት ንደሓር ክሳብ ሕዚ 4 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዝኾኑ ህፃናት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦምን ቁፅሩ እውን ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ምዃኑ ፀብፃብ ሲጂቲኤን የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.