Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣብያተ ፍርዲ መረፃ ተንከፍ ዝኾኑ ክትዓት ብፍሉይ ኩነታት ንምድናይ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ተተሓሒዞም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝቐርቡ ሕቶታት ዳይነት ቅልጡፍን ፅሬት ዘለዎን ውሳነ ንመሃብ ዘኸእል ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣፍሊጡ።

ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል፥ ብኣዋጅ ፓርቲታት ፖለቲካ ምዝገባ መረፃን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ ቁፅሪ 1162/2011 ዝተውሃቡዎም ሓላፍነት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲን ኣብ ስነ ስርዓት ሕጊ ብዝተቐመጡ መሰረታዊ ድንጋገታትን ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ንምውፃእ ዘኽእሎም ኣወዳድባን ዓቕሚን ንምፍጣር ዘሕግዞም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሑ ምፅነሖም ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ኣተሓባበርቲ ምድብ ችሎትን ሰለስቲኦም ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል፥ መረፃን ተተሓሓዝቲ ሕጊታትን መሰረት ብምግባር ናብቶም ኣብያተ ፍረዲ ዝቐርቡ ዛዕባታት ፀሬት ብዘለዎ ቅልጡፍ ውሳነ ምሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂበን ዘትየን።

ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ፥ ምስ መረፃ ተተሓሒዞም ዝቐርቡ ጉዳያት ኣብ ሓፂር እዋን ውሳነ ዘድልዮም ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ምስ ከይዲ መረፃ ተተሓሒዞም ዝቐርቡ ጉዳያት ኣብ ስሩዕ ከይዲ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዳይነት እውን ቅልጡፍ መልሲ ምሃብ ከምዝከኣል ምግላፀን ካብ ላዓለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፀገማት ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ኣብ ቅድመ መረፃ፣ እዋን መረፃን ድህረ መረፃን ናብ ኣብያተ ፍርዲ ዝቐርቡ ቅሬታታት ቅልጡፍ፣ ግልፂን ፍትሓዊን ዳይነት ንመሃብ ኣብያተ ፍርዲ ከተግብሩዎም ዝግብኡ ስራሕቲ ብዝምልከት ዘተ ብምክድ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.