Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣውሮፓ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኒውክሌር ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኒውክሌር ፊንላንድ ስራሕ ጀሚሩ፡፡

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ፊንላንድ ዝተሃነፀ እቲ መብላዕልዒ፥ ኣብ ኣውሮፓ ዝዓበየ ከምዝኾነን ብሰዓት 1 ነጥቢ 6 ጊጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ከምዘለዎን ተሓቢሩ፡፡

ብግዝፈቱ ድማ ካብ ዓለም ኣብ 3ይ ደረጃ ይርከብ፡፡

ፊንላንድ ካብ ዘድልያ ሓፈሻዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 14 ሚኢታዊ ከምዝሽፍንን ብውሑዱ ን60 ዓመታት ከምዘገልግልን ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ፊንላንድ ከም ኣቆፀፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2021 ካብ ዘለዉዋ ጣቢያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ኑክሌር ብድምር 14 ነጥቢ 4 ቴራ ዋት ሓይሊ ኤሉክትሪክ ኣፈልፊላ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.