Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብልዕሊ 200 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ገበርቲ ሰናይ ብምስታፍ ብልዕሊ 200 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ ሰብ ተኮር ፕሮጀክታት ተመሪቖም።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ “ኣብ ሰብ ትኹረት ዝገበሩ ተግባራት ንወገናትና ብምፃሕ ኣዲስ ኣበባ ድኻን ሃፍታምን ብሚዛናዊነት ዝነብረላ ምችውቲ ምግባርና ክንቅፅል ኢና” ኢለን፡፡

ሎሚ መዓልቲ ዝመረቑ ፕሮጀክታ ሕቶ ህዝቢ ዝምልሱ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ ፕሮጀክታ÷ ኣብታ ከተማ መበል 14ን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 1 ሺሕን 200 ሓደ ግዘ ክምገቡ ዘይኽእሉ ወገናት ዝምገቡሉ ማእኸል ከምኡ እውን ኣብ መዓልቲ 600 ባኒ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎን ንዜጋታት ቀዋሚን ግዚያዊን ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ፋብሪካ ይርከቡዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓደሽቲ ዝተሃነፁ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ደረጅኡ ዝሓለወ ንምግባር ካልኣይን ቅድመ ስሩዕን ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ 60 መምሃሪ ክፍሊታት ከምኡ እውን 120 ሹቓት ከምዝርከቡዎ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.