Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ለይቲ ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ልዕሊ ብር 7 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ለይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠሙ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ብር 7 ሚሊየን 550 ሺሕ ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ምዕናዉ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ስግኣት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

መራሒ ጉጅለ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጉልላት ጌታነህ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲ፣ ኮልፌ ቀራኒዮ ከምኡ እውን ኣብ ክልተ ከባቢታት ክፍለ ከተማ የካ ዘጋጠመ ኢዩ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ ሸሞንተ ፍሉይ ሽሙ መልካ ሸኔ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ምሸት ከባቢ ሰዓት 12ን 50 ደቒቕን ኣብ ልዕሊ ደምበ ከፍቲን ሸውዓተ ኣባይቲ መራሕቲ ስድራን ቃፀሎ በፂሑ ዕንወት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ በቲ ሓደጋ ትሽዓተ ኣላሕምን ክልተ ምራኹትን ከመዝሞታ ኣይተ ጉልላት ገሊፆም፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራኒዮ ወረዳ 6 ወይራ ሰፈር ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ለይቲ ሰዓት ሸውዓት ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ መስጊድ ኣብ ዝርከብ መኽዚን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 8 ፍሉይ ቦታ “ስኩል ኦፍ ቱሞሮው” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 6 ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ቃፀሎ ኣጋጢሙ።

ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 2 “መልሰ ፋውንዴሽን” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ለይቲ ሰዓት 4 ኣብ ሓደ ቤት ሕትመት ብዝበፅሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ጉድኣት በፂሑ ኢዩ።

እቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ዘጋጠመ ሓደጋ መበገሲኡ እቶም ሓረስቶት ኣውሊዕ ንምዕጣን እንትብሉ ሓዊ ተቐፃፂሉ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ኣብ ኮልፌ ቀራኒዮ ወረዳ 8 ዘጋጠመ ሓደጋ ግን እናተፃረየ ከምዝኾነ እቶም መራሒ ጉጅለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ድማ እቲ ሓደ ብምኽንያት ኤሌክትሪክ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ እቲ ካልኣይ ምኽንያቱ ከምዘይተፈለጠ ተዛሪቦም፡፡

ብዝተፈጠሩ ኣርባዕተ ሓደጋታት ብር 7 ሚሊየን 550 ሺሕን ዝግመት ንብረት ከምዘዓነወ ዝገለፁ ኣይተ ጉልላት፥ ብዝገበረ ስራሕቲ ምክልኻል ብር 67 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ንብረት ምትራፍ ተኻኢሉ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.