Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ከባቢ ብኽለት ሓበሬታ ንምእካብ ዘኽእል ሶፍትዌር ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኮሚሽን ሓለዋ ከባቢን ሓምለዋይ ልምዓትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንብኽለት ከባቢ እታ ከተማ ሓበሬታ ንምእካብዝሕግዝ ሶፍትዌር ስራሕ ጀሚሩ።

እቲ ኮሚሽን፥ ኣብታ ከተማ እናወሰኸ ዝመፀአ ብኽለት ከባቢ ንምቁፅፃር ልዕሊ 500 በቲ ሞያ ዝተመረቑ መናእሰይ ብማሕበር ወዲቡ ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣዘኻኺሩ፡፡

እቶም ብማሕበር ዝተወደቡ መናእሰይ ብወረቐት እናገበሩዎ ዝነበረ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ ግዘን ሃፍቲን ንብኽነት ዝዳርግ ኣሰራርሓ ስለዝኾነ ሓዱሽ መተግበሪ ኣህኒፁ ናብ ስራሕምእታዉ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ኮሚሽን ኣይተ ሙክታር ሰኢድ ተዛሪቦም።

እቲ መአከቢ ሓበሬታ ሶፍትዌር፥ ሰብ ሞያታት ተቆፃፀርቲ ብኽለት ዘእተዉሉ ሓበሬታ ናይ ምትንታን፣ ፈሊኻ ምቕማጥ፣ ብካይ ትካልን ውልቀ ሰባትን ከምኡ እውን ፍልፍል እቲ ብኽለት ናይ ምፍላይ ስራሕ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንላዕለዎት ሰብ ሞያታትን ሓለፍቲን እቲ ትካል ንውሰነ ምቹው ሓበሬታ ዘቕርብ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.